ኣዛዊት  

 

ንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

እዚ ድሕረ ገጽ እዚ ዝተፈላለየ ንሕብረተሰብና ዝጠቅም ፕሮጀክት ምስ ሕብረተሰብናን ምስ ኢንቨስተራትን ነላልየሉ ድሕረ-ገጽ ወይ ወብሳይት እዩ። ኣዛዊት ካብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ናጻ ዝኾነ ድሕረ-ገጽ (Platform)ኮይኑ፡ ሕብረተሰብና ከም ሕብረተሰብ ዝግበኦ ሓገዝ ክረክብ ምስ ካልኦት ሕብረተሰባትን፡ ትካላትን፡ ኣካላት መንግስትን፡ ኢንቨስተራትን ርክብ ዝፈጥርን፡ ክጸድቁ ዝግበኦም ፕሮጀክትታት መምዩ ምስ ዓለምን ሕብረተሰብ ዓለምን ዘላልን፡ ሕቶ ሕብረተሰብና ኸኣ ብዝተደረተ ዓቕሙ ክምለስ ዝጽዕርን ኣካል እዩ። ሓደ ካብቶም ብዙሓት ተልእኾ ናይ ኣዛዊት፡ ንዓና ከም ሕብረተሰብ ማሕበራዊ ሂወት ኣብ ስደት ንምብዳህ ዘሽግረና ነገር እንታይ'ዩ ምምርማርን፡ መፍትሒታት ምቕራብን እዩ። ኣዛዊትን ንሳ ተጽድቖም ፕሮጀክትታትን ከም በዓል ምዕራፍ ዝኣመሰሉ፡ ሓቖፍቲ ሕብርታት ሕብረተሰብናን፡ ሃይማኖታት ማሕበረሰብናን እምበር፡ ነጸግቲ ኣይኮኑን። ስለዚ ናይ ኣዛዊትን ንሳ ትመምዮም ፕሮጀክትን፡ ኣብ መወዳእታ ትካል ኮይኖም ክትከሉ እንከለዉ ናቶም ፖዝሽን ኣብ ዕዳጋ-ዓለም Maatschappelijk Verantwoord Onderneming ወይ ከኣ Sociale onderneming እዩ። ብዛዕባ እዚ ዓውዲ እዚ እኹል ኣፍልጦ ዘይብልካ እንተ ኾይኑ፡ ኣብዚ እኹል ሓበሬታ ኣለካ! 

ኣዛዊት ግዝየ ወፍያ፡ ደቂቅ መጽናዕቲ ወሲዳ፡ ገንዘብ ተለቂሓ ክተዐውቶም ትደሊ ፕሮጀክትታት፡ ንማሕበራዊ ለውጥን ስነ-ልቦናዊ ሕውየትን ናይ ሕብረተሰብና ዘቀላጥፉን ዝድግፉን ወይ'ዉን ማሕበራዊ ለውጢ ክፍጠር ን ዘቃላጥፉን ኢኮኖሚ ዝፈጥሩን ምስ ዝኾኑ ጥራሕ እዩ። ኣዛዊት ንውልቃዊ ይኹን ማሕበራዊ ዕጽዋ (Sociale uitsluiting) ትጽየን። ስለ ዝኾነ ድማ ርእሳ ዝኸኣለት ኮይና ክትቀውምን፡ ኣብ ትሕቲኣ ድማ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጨናፍር ዘለዎም ፕሮጀክትታት ክጥጥዑን፡ ንዓኣ ዝበቕዓን፡ ካብ ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን ትካላት ከኣ ዝፈልያ ሕጋዊ ስብእና ትኽተል። እዚ ማለት ኣዛዊት ምስ ዝኾነ ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ፡ ወይ ውን ስቪካዊ ማሕበር ሓደ ንሕብረተሰብና ዝጠቅም ፕሮጀክት ንምዕዋት ሓቢራ ክትሰርሕ ጸገም የብሉን። ምኽንያቱ እሶም ውን ትካላት ማሕበረሰብና ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ነቲ ኣዛዊት ትደልዮ ሕብረተሰባዊ ለውጥን፡ ስነ-ልቦናዊ ሕውየትን ኣብ ምቅልጣፍ ዓቢ ግደ ክጻወቱ ስለ ዝኽእሉ። ኣብ ክፍሊ መሪሕነትን፡ ክፍሊ ፋይናንስን፡ ክፍሊ ቁጽጽርን ግን ቦታ የብሎምን። ንኣዛዊት ክቆጻጸራ ዝግበኦ መንግስት ሆላንድ ጥራሕ እዩ። ኣዛዊት ክተዕወቶም ኣብ ትደሊ ፕሮጀክታት ኢንቨስት ክገብሩ ምስ ዝደልዩ ድማ፡ ብልቓሕ ወይ ብናጻ ህያብ ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ምስ ኩሎም ትካላትን ባንክታት ውን ብኸምኡ ኢና ንዝሰርሕ። ምኽንያቱ እቲ autonomie ወይ ገዛእ-ርእስኻ ንምቁጽጻር ዘብቅዓካ መሰልን፡ ሕጋዊ ስብእናን ተሸራሪፉ ካብ ኣዛዊትን ሕብረተሰብናን እንተ ርሒቁ፡ ንዝተወሰነ ክፋል ሕብረተሰብና፡ ወይ'ዉን ንዝተወሰነ ሃይማኖታዊ ወይ ስቪካዊ ማሕበር ናይ ሕብረተሰብና ካብ ተሳትፎ ከግልሎ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣንጻር እቲ መበገሲ ጽንሰ ሓሳብ ናይ ኣዛዊት ስለ ዝኾነ ክንድግፎ ኣይንኽእልን። ኣብዚ ምዕራፍ ዝበሃል ፕሮጀክት ካብ ኣብያተ እምነታት ሃገርና ንጽበዮ ግን ተሳትፎ እምበር ገንዘብ ኣይኮነን። ሕዝቢ ዋና ናይቲ ፕሮጀክት ክኸውን ይድለ ስለ ዘሎ ንሱ ኸኣ ብመንገዲ ኣብያተ ክርስትያን ክኸውን ስለ ዝበልጽ እዩ። እታ ኣብዚ ፕሮጀክት ክትሳተፍ ትደሊ ቤተ ክርስትያን፡ ብገንዘብ ክትሕግዝ ዓቅሚ ኣለዋ ድዩ የብላን ብዘየገድስ፡ ክትሳተፍ ምድላያን ምብጋሳን ጥራሕ ዋናን ተጠቃሚትን ናይቲ ፕሮጀክት እያ። 

ኣዛዊት ኣብ ሆላንድ ዝተደኮነት ክሳብ ዝኾነት ትሓቶ ሓገዝን፡ትልቅሖ ገንዘብን፡ ካብ ትካላትን መንግስትን ሆላንድ ጥራሕ እዩ። ሓደ ትካል ክትከል ከሎ ናይ ባዕሉ ተልእኾ ክህልዎ ግድን እዩ። ናይ ኣዛዊት ተልእኾ ድማ ንሕብረተሰብና ዝጠቕሙን ዘርብሑን ፕሮጀክትታት ምፍታሽን፡ እኹል መጽናዕቲ ምግባርን፡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲልካ ኸኣ ምስ ሕብረተሰብን ኢንቨስተራትን ስምምዕ ብምፍጣር፡ ገንዘብ ተለቂሕካ፡ ነቲ ፕሮጀክት ምዕዋትን ኢኮኖሚ ምፍጣርን እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣዛዊት ብጀካ እዚ "ምዕራፍ" ዝብል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ ናይ ኢንቹራንስን መካነ-መቓብርን ፕሮጀክት፡ ካልኦት ዓበይቲ ንሕብረተሰብና ዘርብሑን ዝጠቕሙን 5 ፕሮጀክትታት ኣለውዎ። ኩሎም ፕሮጀክትታት ድማ ኣብ ሕብረተሰብና ብቐጠታ ወይ ብተዘወዋሪ ኣወንታዊ ጽልዋ ዘሕድሩን፡ ናብ ስነ-ልቦናዊ ሕውየት ዘምርሑን እዮም። እዚ ናይ "ምዕራፍ" ፕሮጀክት ብዘዕግብ መልክዑ ከይተጀመረ ወይ ፈጺሙ ከይተቛረጸ ግን ካልእ ፕሮጀክት ምጅማር ኣይከኣልን እዩ። 

ምዕራፍ 

እዚ "ምዕራፍ" ዝብል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ ናይ ኢንቹራንስን መካነ-መቓብርን ፕሮጀክት ኣካል ወይ ጨንፈር ናይ ኣዛዊት ኮይኑ፡ ንሕብረተሰብና ብዝጥዕሞን ዝመረጾን መንገዲ ክምለስ ኣለዎ ብዝብል ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ። እዚ "ምዕራፍ" ዝብል ስም ዝተዋህበ ፕሮጀክት ንኹለን ሃይማኖታውያን ትካላት ማሕበረ-ሰብና ማእከል ዝገበረን፡ ኩለን ብማዕረ ዝሳተፋሉ መድረኽን እዩ። ኩላተን ሃይማኖታት ሕብረተሰብና ኣብዚ ፕሮጀክት እዚ ብምስታፈን፡ ነቲ ኣዛዊት ክህረም እትደልዮ ዘላ ሕብረተሰባዊ ለውጥን፡ ስነ ልቦናዊ ሕውየትን ዘቀላጥፍን ዘዐውትን እዩ። እዚ ምዕራፍ ዝብል ፕሮጀክት ብዙሕ ገንዘብን፡ ሕብረተሰባዊ ተሳትፎን ዝሓትት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነዚ ክምውሉ ምስ ዝኽእሉ ባንክታትን፡ ነቲ መካነ-መቓብር ኣብ ሃገረን ክድኮን ፍቓደኛታት ምስ ዝኾና ሃገራትን ንኸላልዮን፡ ነዊሕ ጉዕዞ ዝሓተተን፡ ብዙሕ ገንዘብ ዝበልዐን፡ ዝበልዕ ዘሎን ምዃኑ ውን ከስምረሉ ይደሊ። ኣብ መወዳእታ ሕብረተስብናን ኣብያተ ክርስትያንን ብሓደ ክሰርሑን ኣብ ረብሐኦም ከውዕልዎን ስጉምቲ እንተ ዘይወሲዶምን፡ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ 2 ሽሕ ሰብ እንተ ዘይተረኺቦምን፡ ከምኡ ውን እቲ መካነ-መቓብር ኣበየነይቲ ሃገር ይደኮን እንተ ዘይወሲኖምን ግን እዚ ፕሮጀክት ደው ክብል እዩ።  ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ምዕራፍ ዝተባህለ ፕሮጀክት ኣብዚ ኣለካ!