መካነ መቓብር ንሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ስደት?
ንሕና ከም ሕብረተሰብ ገጢሙና ዘሎ ሰብኣዊ ቀውሲ ቀሊል ስለ ዘይኮነ፡ ከም ሕብረተሰብ ክንሓዊ፡ ብዓይነቶም ዝተፈላለዩ፡ ብቑጽሪ ኸኣ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ክነዐውት መተካእታ ዘይብሉ ኣመራጻኢ እዩ። ሓደ ካብቶም ክነዐውቶም ንደሊ ዝዓበዩ ፕሮጀክትታት እምበኣር፡ እዚ "ምዕራፍ" ዝተሰምየ፡ መካነ መቓብርን ኢንቹራንስን ንሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ስደት ዝብል ፕሮጀክት እዩ። እዚ ፕሮጀክት እዚ ንኹሎም ኣብያተ እምነታት ሃገርና ማእከል ዝገበረን፡ ኩሎም ንኽሳተፉ ማዕጾኡ ዝኸፈተን ፕሮጀክት እዩ። ስለዚ ኣብዚ ፕሮጀክት እዚ ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ኩሎም ኣብያተ እምነታት ኤርትራ እኳ እንተ ኾኑ፡ ብዝያዳ ግን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ፡ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ፡ ቤተ ክርስትያን ፕሮቴስታንት፡ ወዘተ እየን!
ኣጠቓቕማ ናይቲ መካነ መቓብር ከ?
ኣጠቓቕማ ናይቲ መካነ መቓብር ንዝምልከት፡ ነብሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ናይ ባዕላ ባይታ እያ ትምቀል። ሓደ ተኸታሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እንተ ተጎዲኡ፡ ኣብቲ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝወሃብ ቦታ ይቕበር። ሓደ ተኸታሊ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምስ ዝጉዳእ ድማ፡ ኣብቲ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝወሃብ ባይታ ይቕበር። ሓደ ተኸታሊ ፕሮቴስታንት ምስ ዝጉዳእ ድማ፡ ኣብቲ ንናይ ፕሮቴስታንት ቤተ ክርስትያን ዝወሃብ ባይታ ይቕበር። ስለዚ እቲ መቓብር ሕውስውስ ዝበለ ኣይኮነን። እቲ ባይታ ብሓደ ተገዚኡ፡ ንኹለን ኣብያተ እምነት ሃገርና ኸኣ ከም ዓቅሚ ሰበን፡ ብደረት ይምቀል። ብኸምዚ ክተሓዝ ዝድለ፡ ኩሉ ነገር ክቡር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንሕና ኣብ ርእሲ ምውሓድና ኣብቲ ሓደ ዝገብረና ነገር ብሓባር፡ ኣብቲ ዝፈላልየና ኸኣ ብምክብባር ከም ሕብረተሰብ መጠን፡ ሕውየት ንረኽበሉን፡ ትንፋስ ንሰኹዓሉን መንገዲ እንተ ዘይደሊና፡ ከም ሕብረተሰብ ንቕጽለሉ ዕድል እና ጸበበ ይኸይድ ስለ ዘሎ እዩ። እቲ ዝድኮን መቓብር ኣብ ኣፍሪቃ ወይ ኣብ ኣውሮጳ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ዓለም ሙሉእ ዝነብር ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ክቅበር ዘይክእል ኤርትራዊ ኣብዚ ቦታ መጽዩ ከዕርፍ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣውሮጳ ክድኮን እንተ ኾይኑ ኸኣ፡ ኣብ ኣውሮጳ ንዝነብሩ ኣብ ኤርትራ ኣትዮም ንኽቕበሩ ዘይፍቀዶም ኤርትራውያን ዕላማ ዝገበረ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ዶ ይኹን ኣብ ኣውሮጳ ግን ምርጫ ሕብረተሰብን ኣብያተ እምነታትን ዝውስኖ ነገር እዩ። ክርሳዕ ዘይብሉ ግን፡ ኣብ ኣውሮጳ ብገንዘብ ክቡር፡ ብግዜ ነዊሕ፡ ብሕጊ ተሪር፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኸኣ ብኣንጻሩ ምዃኑ እዩ።