ዕላማ....

ዕላማ ናይዚ ምዕራፍ ዝተሰምየ ፕሮጀክት፡ ንሕና ማሕበረሰብ ኤርትራ ንዘለና ማሕበራዊ ጸገምና በዲህናን ፈቲሕናን ምእንቲ ክንክእል መንገዲ ምጽራግ እዩ። ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዘለዎ ርእይቶ እንታይ እዩ ብዘየገድስ፡ ኣብታ ዝተወልደላ ዓዲ ምስ ሞተ መቓብር ክንፈጎን፡ 2% ስለ ዘይከፈለ ኣብ እንዳ በለስ ክቕበርን ግን ንቡር ኣይኮነን። እዚ ተግባር እዚ ኣሬመንነት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ናብ ወለዶታት ዝሓልፍ ደምነት ዝተክል ዘሕፍር ተግባር እውን እዩ። እዚ ምዕራፍ ዝብል ስያመ ዘለዎ ፕሮጀክት ክንጅምሮ ዝደረኸና ምኽንያት ድማ ፖለቲካዊ ዘይኮነስ ሰብኣውነት ዘይብሉ ኣሬመናዊ ስነ-ምግባር ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ይትግበር ስለ ዘሎን፡ እዚ ድማ ሓንሳብን ንሓዋሩን መዕጸዊ ክግበረሉ ስለ ዘለዎን እዩ።

ዕላማ ናይዚ ፕሮጀክት ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ስደት ንዓና ምስ ዝሰማምዓና መንግስትን ሃገርን ናይ ባዕልና መካነ-መቓብር ንኽንውንን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ዘሎ ሬሳታት ኤርትራውያን ምጥርናፍ ውን እዩ። ኩሎም ሃይማኖታት ኤርትራ፡ ዘለዎም ሃይማኖታዊ ፍልልይ ከም ዘለዎ ኾይኑ፡ ኣብዚ ፕሮጀክት ክሳተፉን፡ ንሕብረተሰብና ዝጠቅም ፍታሕ ከቐምጡ ድማ ጻውዒትና እዩ። እቲ ጽንሰ ሓሳብ ናይዚ ፕሮጀክት፡ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ክሳብ ዝቕየር ንኹለን ሃይማኖታት ሃገርና ዕላማ ዝገበረ መካነ-መቓብር ኣብ ስደት ክገሃድን፡ እተን ሃይማኖታት ድማ መሬት ክሳብ ዝወግሕ ነቲ ባይታ ተማቒለን ከከም ሃይማኖታዊ ስርዓተን ንኽጥቀማሉ እዩ። 

እዚ ፕሮጀክት ንኹሎም ማሕበረሰብን ኣብያተ እምነታት ኤርትራ ብማዕረ ዘሳትፍ እኳ እንተ ኾነ፡ እቲ መካነ-መቓብር ኣበየነይቲ ሃገር ይደኮን ንዝብል ሕቶ ግን ሕብረተሰብ ኤርትራን ኣብያተ እምነታትናን ሓቢረን ክምልሰኦ ዘለወን ሕቶ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዕላማ ናይዚ ፕሮጀክት ንሙሉእ ሕብረተሰብ ብሓደ ግዜ ክምለሰሉ ስለ ዘለዎን፡ ነዚ ፕሮጀክት እዚ ከዐውታ ዝደልያ ዘለዋ ሃገራት ድማ ብዙሓት ስለ ዝኾናን እዩ። ምዕራፍ በቲ ሓደ ጎድኑ ኢንቹራንስ፡ በቲ ሓደ ጎድኑ ኸኣ ንኹለን ኣብያተ እምነታት ኤርትራ ዝሓቆፈ መካነ-መቓብር ክውንን እዩ እቲ ዕላማ። እታ ኣብዚ ፕሮጀክት ትሳተፍ ቤተ ክርስትያን ድማ ዋናን ተጠቃሚትን ናይቲ መካነ-መቓብር እያ። እቲ ኢንቹራንስ ዝህብ ትካል ካበይ ናበይ ይኹን ንሕናን ንዓና፡ ነቶም ዝሕግዙና ኢንቨስተራትን ዝግደፍ ዕዮ እዩ። እቲ መካነ-መቓብር ኣበየነይቲ ሃገር ክግዛእን ክድኮንን ይግባእ ግን ሕብረተሰብን ኣብያተ ክርስትያንን ምኽሮምን ናጻ ድሌቶምን እንታይ ምዃኑ ክገልጹ ይግባእ። 

ንምዕራፍ ነቲ ኢንቹራንስ ዝህብ ጎድኑ፡ መጀመርታ ሆላንድ፡ ካብኡ ቐጺለን ከኣ በዓል ቤልጁም፡ ሉክሰምበር ክስሕበኦ ደልየን ኣለዋ። ብድሕሪኡ ኸኣ ናብ መላእ ኣውሮጳ ንኽዓቢ እዩ እቲ ዕላማ፡ ክሕግዙና ምስ ዝኽእሉ ትካላትን ኣካላትን ውን ንሰርሓሉ ኣለና።

 

ተልእኾ ናይ ኣዛዊት እንታይ እዩ?

ተልእኾ ናይ ኣዛዊት ስነ ልቦናዊ ሕውየት ዘረጋግጹን፡ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ዝፈጥሩን ፕሮጀክትታት ትካላት ኮይኖም ኣብ ትሕቲኣ ክትከሉ ፋይናንሳዊ ደገፍ ዝርከበሉ መንገዲ ምጽራግን፡ netwerk ብምፍጣር ስትራተጂ ምሕንጻጽን፡ ምስ ኢንቨስተራትን ትካላት መንግስትን ሓባራዊ ስራሕ ምፍጻምን እዩ። ኩሎም ኣብ ትሕቲ ኣዛዊት ዝዕወቱ ፕሮጀክትታት ሓደ ዓይነት ተልእኾ ኣለዎም። ንሱ ኸኣ ብቐጠታ ወይ ብተዘወዋሪ ኢኮኖምያዊ ዕብየት ወይ ስነ ልቦናዊ ሕውየት ዘረጋግጹ እዮም።

ተልእኾ ናይ ምዕራፍ እንታይ እዩ?

ምዕራፍ ሓንቲ ካብ ፍረታት ናይ ኣዛዊት እያ። ናይ ምዕራፍ ተልእኾ ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም...

  1. ንሕብረተሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ኢንቹራንስ ኣገልግሎት ምሃብ። 
  2. ነቶም ኣብ ኤርትራ ኣትዮም ክቕበሩ ዘይፍቀዶም ኤርትራውያን ወይ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ሙሉእ ንዘለዉ ኤርትራውያን፡ ወይ ከኣ ኣብ ኤውሮጳ ን ኣብ ኣውሮጳ ጥራሕ ዝነብሩ ኤርትራውያን መካነ-መቓብር ምግሃድ። 
  3. ኣብቲ ንሕብረተሰብና ነዳልዎ ን መካነ-መቓብር ዝኸውን ቦታ፡ ስድራ ቤታት ፍቓደኛታት እንተ ኾይኖም ነቶም ኣብ ኢታሊ፡ ኣብ ፍራንስን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዘሎ ሬሳታት ኤርትራውያን ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ቦታ ምግዛእን ምጥርናፍን፡ ኩነታት ሃገርና ክሳብ ዝቕየር ከኣ ኣብ ሓደ ቦታ ተጠርኒፍና ክንጸንሓሉ ንኽእል ዕድላት ምፍጣር።
  4. ምእንቲ መስደዲ ሬሳ ዝዋጻእ ገንዘብ ኣብ ሕብረተሰብና ክውገድን፡ ነብሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓላፍነት ከም ዝስከም ምግባርን፡ ኢንቹራንስ ብምሃብ ቁጠባ ምፍጣርን። 
  5. ካብ ሆላንድ ወጻኢ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ንሕብረተሰብና ናይ ኢንቹራንስ ኣገልግሎት ምሃብ። 
  6. እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ወይ ኣብ ኣውሮጳ ዝገሃድ መካነ-መቓብር፡ ንኹሎም ሃይማኖታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ ስለ ዝኾነ፡ ኩሎም ተጠቀምቲ ክኾኑን፡ ተወሳኺ ኣብ ስደት ካልእ መካነ-መቓብር ከይግዛእ ምስ ሕብረተሰብን ኣብያተ ክርስትያንን ሕጋዊ ውዑል ምግባር። ምኽንያቱ 1ይ ክቡር እዩ ብዙሕ ገንዘብ ውን እዩ ዝሓትት። 2ይ ሕብረተሰብና ካብ ድኽነት ከይወጽእ ኣሲሩ ክሕዞን፡ ነዚ ናይ ምዕራፍ ተልእኾ ውን ከተዓናቕፎን እዩ።

Sociaal Werker ይመሃረሉ ኣብ ዝነበርኩ ግዜ ኣብታ መወዳእታ ዓመት afstudeerrichting ወይ መዛዘሚ መልክዕ ናይቲ ሞያ ንሓደ ዓመት ዝኸይድ ፕሮጀክት ክሕንጽጽን ክመርሕን ኔሩኒ። እዚ ኣብ 2023 mei ምዃኑ እዩ። ሽዑ ኣብ ሓንጎለይ ዝመላለስ ዝነበረ ሕቶ ኸኣ “እዚ ናይ መካነ-መቓብር ሕቶ ናይ ሕብረተሰብና” ብኸመይ ክምለስ ይኽእል ዝብል ሓሳብ ይመጻኒ ኔሩ። ብዙሕ ግዜ ኣውሪደ ኣደይበ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ሓደ ናይ “ኢንቹራንስ” ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ክትከል ኣለዎ። እዚ ትካል እዚ ኸኣ ነቶም ኣባላቱ ንመካነ-መቓብር ዝከውን ቦታ ከዳልወሎምን ክገዝኣሎምን ይኽእል እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሐ። ካብዚ ብምቕጻል ኣብቲ ዓውዲ ኣፍልጦ ምስ ዘለዎም ትካላትን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኢንቨስት ክገብሩ ምስ ዝኽእሉ ትካላትን ኣካላት መንግስትን ከኣ ርክብ ፈጢረ።

ኣብ መወዳእታ ኣነ ዘቕረብክዎ ሕቶ እንተ ኔሩ፡ “ሕብረተሰበይ ንሰብ ዘይግበኦ በደል ይበጽሖ ኣሎ” ኣነ ኸኣ ብሞያይ ሓደ ንሕብረተሰበይ ክጠቅም ዝኽእል ትካል ብምትካል “ነቲ ዘሳቅዮ ዘሎ ጸገም” ክቕንጥጦ ይኽእልን ይደልን እየ። ኣብዚ ዓውዲ እዚ ትካላትን መሓውራት መንግስትን ኔዘርላንድ እንታይ ክሕግዙኒ ይኽእሉ? ዝብል ሕቶ ነበረ! ጎድኒ-ጎድኒ እዚ ድማ ኣብቲ Sociaal Werker ዝመሃረሉ ቤት-ትምህርቲ ከም afstudeerrichting Sociaal ondernemerschap ዝበሃል ዓውዲ መሪጸ የጽንዕ ኔረ። እዚ ከምዚ ኢሉ እና ሃለወ ኸሎ፡ እቲ ንዓይ Sociaal Ondernemerschap ዘምህረኒ ዝነበረ ቤት-ትምህርቲ፡ እዚ ንስኻ ሓቲትካዮ ዘለኻ ሕቶን ኣጺዲቕካዮ ዘለኻ ፕሮጀክትን፡ ናይ ሕብረተሰብ ሕቶ እዩ። ኣብዚ ንስኻ ትዛረበሉ ዘለኻ ኣርእስትታት ብልቓሕ ኢንቨስት ክገብሩ ዝኽእሉ ትካላትን ኣካላት መንግስትን ድማ ኣለዉ። ስለዚ እቲ ሕቶኻ ቅኑዕን ምኽንያታውን ስለ ዝኾነ ምስኦም ክነራኽበካ ኢና። ንሶም ውን ነዚ ንስኻ ሓቲትካዮ ዘለኻ ሕቶ ብኸመይ ናብ ተግባር ይልወጥ ክሕግዙኻ እዮም። ካባና ዘድሊ ዘበለ ኩሉ ምትሕብባር ድማ ኣይንበቀልካን ኢና ኢሉኒ።

ተወሳኺ ኣብ ትምህርትኻ ትኸዶ ዘለኻ ከይድታት ውን ጽቡቕ ስለ ዘሎ፡ ኣብቲ ንሶም ንስደተኛታት ዝህብዎ ስልጠናን፡ ክሳብ ሽልማት ዝኸይድ ውድድርን ምእንታን ክትሳተፍ ውን እቲ ናቶም ፕሮግራም ጀሚሩ ክሳብ ዝውድእ፡ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ኣብኡ ክትሳተፍ ኣፍቂድናልካ ኢና። ኣብኡ እንተ ተሳቲፍካ ኣብ ትምህርቲ ከም ዝወዓልካ ውን እዩ ዝሕሰብ ኢሎም ሞራል ኣስኒቖምኒ። ኣነ ኸኣ ንዝተዋህበኒ ዕድል ተጠቂመ፡ ኣብ ሓደ ግዜ ኣብ ክልተ ቤት ትምህርቲ እና ተመላለስኩ መደበይ ብዓወት ዛዚመዮ። እቶም ትካላት ኣብ ሓደ ዓመት ናይ 10 ሰባት ሕቶ ጥራሕ እዮም ዝምልሱ ኔሮም። ኣብ 2023 ዝተሓጸዩ ተመሃሮ፡ ኣብ 2024 ንሽልማት ይሕጸዩ። ኣብ 2024 ዝጀመሩ ተመሃሮ ኸኣ ኣብ 2025 ናቶም ፕሮጀክት ተመርሚሩ ንሽልማት ይቐርቡ። ኣነ ናብዞም ትካላት ኣብ januari 2024 ስለ ዝተሓወስክዎም ናተይ ሕቶ ኣብ 2025 ክረአ ዝግበኦ ዝነበረ፡ ቀዳማይ ዙር ከይተወድአ ኸሎ ሃንደበት ጸዊዖም ኢንተርቪው ጌሮምለይ። መበል 11 ፕሮጀክት ኾይኑ ኣብ 2024 ክረአ ኸም ዘለዎ ኸኣ ወሲኖም። እዚ ዝወሰንሉ ምክንያት ኣነ ዘቕረብክዎ ሕቶን፡ ክተኽሎ ዝሓሰብኩ ትካልን ረዚን ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብቲ ናይ ኩለን ዞባታት ዝሳተፋሉ ሃገራዊ መድረኽ ክሳተፍ ምዃነይ ተነጊሩኒ። 

ኣነ ምስ ካልኦት ስደተኛታት ክሳተፈሉን ክወዳደረሉን ዝጸናሕኩ ኩነታት እንታይ`ዩ?

እቲ ኣነ ክወዳደሮ ዝጸናሕኩን ዘለኹን መድረኽ፡ ንስደተኛታት ጥራሕ ዝወሃብ ውድድርን ስልጠናን ኮይኑ፡ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ብኣካል ተረኺብካ፡ Ondernemingsplan ትጽሕፈሉን፡ ፕሮጀክትኻ ኢንቨስት ክገብሩ ምስ ዝኽእሉ ባንክታትን ትካላትን ኣካላት መንግስትን ተላልየሉ ዓውዲ እዩ። እዚ ፕሮግራም እዚ ብሕብረት ኤውሮጳን ብመንግስትን ትካላትን ኔዘርላንድስን ዝዳሎን ዝምወልን እዩ። ብጠቅላላ እቲ ፕሮግራም 3 ደረጃታት ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ደረጃ 8 ወርሒ ይወስድ። እቲ 2ይ 9 ወርሒ፡ እቲ 3ይ ደረጃ ድማ ካብ 12 – 24 ኣዋርሕ ይወስድ። ካብቶም ነዚ ዝምውሉ ትካላት ንምጥቃስ ዝኣክል Social Enterprise Nederland, Qredits, VNG, en Europese Unie እዮም። እቲ ፕሮጀክት ንኽዕወት፡

  1. ኣብ 1መድረኽ ፕላን ወይ ስትራተጂ ትሕንጽጽ።                                                

  2. ኣብ 2መድረኽ፡ ካብ ስእለት-ኣእምሮ (ካብ ወረቐት) ናብ ተግባር ትቕይሮ።

  3. ኣብ 3 መድረኽ፡ ከመይ ኢሉ ክዓቢ ከም ዘለዎን፡ ውጽኢታዊ ይኸውንን ውጥን ትሕንጽጸሉን ተዕብዮን።

ኣነ ኣብ ወርሒ ሓደ 2024 ስለ ዝተጸምበርክዎም፡ ኣብ 1 ክህሉ እዩ ዝግበኣኒ ዝነበረ፡፡ እንተ ኾነ ረዚን ሕቶን ንሕብረተሰብ ዝጠቅም “ፕሮጀክትን” ስለ ዘቕረብኩ፡ መጀመርታ ነቲ 1ከይወዳእክዎ ከለኹ፡ ኣብ ካልኦት Sociaal Ondernemers ዝተኣከብሉ መድረኻት ከይደ “ንፕሮጀክተይ” ከላልዮን ምስ ካልኦት ሃገራት ከም ብዓል ቤልጁም፡ ሽወደን፡ ሉክሶምበር፡ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳ፡ ማሊ ክራኸብ ዕድል ፈጢሮምለይ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ንኻልኦት 2 ሰባት መሪሐ ካብ ዞባዊ ናብ ሃገራዊ መድረኽ ከምርሕ ተፈቒዱኒ። 

ተልእኾን ዕላማን ናይዚ ምዕራፍ ዝበሃል ፕሮጀክት እንታይ እዩ?

ናይ ምዕራፍ ተልእኾ እዞም ዝስዕቡ እዮም...

  1. ንሕብረተሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ኢንቹራንስ  ኣገልግሎት ምሃብ። 

  2. ነቶም ኣብ ኤርትራ ኣትዮም ክቕበሩ ዘይፍቀዶም ኤርትራውያን ወይ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ሙሉእ ንዘለዉ ኤርትራውያን፡ ወይ ከኣ ኣብ ኤውሮጳ ን ኣብ ኣውሮጳ ጥራሕ ዝነብሩ ኤርትራውያን መካነ-መቓብር ምግሃድ። 

  3. ኣብቲ ንሕብረተሰብና ነዳልዎ ን መካነ-መቓብር ዝኸውን ቦታ፡ ስድራ ቤታት ፍቓደኛታት እንተ ኾይኖም እቶም ኣብ ኢታሊ፡ ኣብ ፍራንስን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዘሎ ሬሳታት ኤርትራውያን ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ቦታ ክግዛእን፡ ሬሳታት ኤርትራውያን ኩነታት ሃገርና ክሳብ ዝቕየር ኣብ ሓደ ቦታ ምጥርናፍን።

  4. ምእንቲ መስደዲ ሬሳ ዝዋጻእ ገንዘብ ኣብ ሕብረተሰብና ክውገድን፡ ነብሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓላፍነት ከም ዝስከም ምግባርን፡ ኢንቹራንስ ብምሃብ ቁጠባ ምፍጣርን። 

  5. ካብ ሆላንድ ወጻኢ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ንሕብረተሰብና ናይ ኢንቹራንስ ኣገልግሎት ምሃብ። 

  6. እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ወይ ኣብ ኣውሮጳ ዝገሃድ መካነ-መቓብር፡ ንኹሎም ሃይማኖታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ ስለ ዝኾነ፡ ኩሎም ተጠቀምቲ ክኾኑን፡ ተወሳኺ ኣብ ስደት ካልእ መካነ-መቓብር ከይግዛእ ምስ ሕብረተሰብን ኣብያተ ክርስትያንን ሕጋዊ ውዑል ምግባር። ምኽንያቱ 1ይ ክቡር እዩ ብዙሕ ገንዘብ ውን እዩ ዝሓትት። 2ይ ሕብረተሰብና ካብ ድኽነት ከይወጽእ ኣሲሩ ክሕዞን ከሳቕዮን እዩ፡፡ ነዚ ናይ ምዕራፍ ተልእኾ ውን ከተዓናቕፎ እዩ። ሕጽር ብዝበለስ እዚ ናይ ምዕራፍ ፕሮጀክት ክዕወት እንተ ሰሪሕናሉ፡ ከም ሕብረተሰብ ንኹልና ከም ዝኣክል እዩ ክኸውን። ኩላተን ኣብያተ እምነታት ሕብረተሰብና ድማ ኣብዚ ፕሮጀክት ክሳተፋ ዕዱማት እየን። 

ከምዚ ልዕል ኢልካ ኣብ ስእሊ ትርእዮ ዘለኻን ከምቲ ኣብ ሕቶን መልስን ዝተገልጸ፡ እዚ ፕሮጀክት ንኹሉ ሕብረተስብ ኤርትራ ዝምልከት እዩ። እዚ ምዕራፍ ዝብል ፕሮጀክት፡ ነዚ መልክዕ እዚ ሒዙ ተቐሪጹ ክወጽእ ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ዝበልዐን፡ ዓብይ ተሳትፎ ናይ ሕብረተሰብ ዝሓትትን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ብዙሓት መድረኻት ምስ ካልኦት ስደተኛታት ተወዳዲረ ተዓዊተ ዝወጻኹሉን፡ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ኢኮኖምያዊ ዕብየትን ስነ-ልቦናዊ ሕውየትን ከረጋግጹ ካብ ዝኽእሉ ፕሮጀክትታት እዩ ተባሂሉ ኣብ ዘይግዝይኡን ኣብ ዘይቦትኡን መበል 11 ፕሮጀክት ኮይኑ ኣብ 2024 ወርሒ 09 ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንኽረክብ ተሓጽዩ ይምርመር ኣሎ።