ኣብዚ ድሕረ-ገጽ እዚ ሓደስቲ ምዕባለታት እዩ ዝዝርጋሕ። እዚ ማለት ነብሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት ክከታተሎ ምስ ዝደሊ፡ ኣብዚ ድሕረ-ገጽ እዚ መጽዩ ኣብዚ ፕሮጀክት እዚ ክሳተፋ ዝደልያ ኣብያተ እምነታት ሃገርና መነመን እየን? ብብዝሒ ትምረጽ ዘላ ሃገርን ኣየነይቲ እያ? ክፈልጥ ምስ ዝደሊ፡ ኣብዚ ክከታተሎ ይኽእል እዩ።
መዘኻኸሪ፡ እዚ ድሕረ-ገጽ እዚ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ እዩ update ዝግበር። ንሳ ኸኣ ሰዓት 07፡00 ናይ ንግሆ እያ። ስለዚ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት 07፡00 ዝተፈጥሩ ሓደስቲ ምዕባለታት፡ ጽባሕ ንግሆ ካብ ሰዓት 07፡00 ንደሓር እዩ ኣብዚ ዝመጽእ።
ክሳተፋ ዝደልያ ኣብያተ እምነታት ሃገርና | ብዝሒ |
---|---|
ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ | 0 |
ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ | 0 |
ቤተ ክርስትያን ፕሮቴስታንት | 0 |
ኣስማት ኣብያተ እምነታት | ኣበይ ክኾነለን ከ ይደልያ? |
---|---|
ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ | ኣይመለሰትን |
ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ | ኣይመለሰትን |
ቤተ ክርስትያን ፕሮቴስታንት | ኣይመለሰትን |
እቲ መካነ መቓብር ኣብ ኣፍሪቃ እንተ ተደኲኑ ኩነታት ሃገርና ምስ ተቐየረ፡ ብሕጊ ኮነ በገንዘብ ብዝቐለለ መልክዕ ናብ ኤርትራ ክግዕዝ ይኽእል እዩ። ኩነታት ሃገርና ካብ ዝተመሓየሸሉ ንደሓር ከኣ ሰብ ትኽ ኢሉ ናብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ መበቆል ትውልዱ ከም ዝኣቱ እዩ ክግበር። እቲ መካነ መቓብር ኣብ ኣውሮጳ እንተ ተደኩኑ ግን ዳሕራይ ናብ ኤርትራ ክግዕዝ ከሎ ብገንዘብን ብሕግን ክብድ ዝበለ ጾር ክኸውን እዩ። ከቢድ ዝገብሮ እቲ bestemmingsplan ናይቲ መካነ መቓብር ንሓዋሩ ን ኤርትራውያን ተባሂሉ ካብ መሰረቱ ስለ ዝህነጽ፡ ክግዕዝ ከሎ ውን ከም ብሓድሽ ሓደ ኢልካ እዩ ዝፈርስ። ኣብ ኣውሮጳ ባይታ ገዚእካ ክድኮን እንተ ኾይኑ ውን ንሕና ንሓዋሩ ከም ዘድልየና ኢና ክንሓትት። ምኽንያቱ ንግዝይኡ እንተ ኾይኑ ካብ 4 ክሳብ 6 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝወስድ ፕሮሰስ ንሶም ውን ክጅምርዎ ስለ ዘይደልዩ። እዚ ፕሮጀክት ዝኾነ ፖለቲካዊ ተልእኾ የብሉን።ኣብዚ ፕሮጀክት ምስታፍን ዘይምስታፍን ውልቃዊ ምርጫ እዩ ዝውስን። ተልእኾ ናይዚ ፕሮጀክት ንኹሎም ሃይማኖታት ሃገርና ብዘሳትፍ መንገዲ፡ ሕብረተሰባዊ ሕቶ ምምላስን፡ ኣጋጢሙና ዘሎ ሰብኣዊ ቀውሲ ምቕናስን ምፍታሕን ጥራሕ እዩ። ስለዚ ደስ እንተ ኢሉካ ትሳተፍ፡ ደስ እንተ ዘይኢሉካ ኸኣ ካልእ መንገዲ ተናዲ። ሸኸም ሕብረተሰብ ከይትኸውን ግን ርእስኻ ክትክእል ንመክር። ነዚ ፕሮጀክት እዚ እንተ ዘይተቐቢልካዮ ካልኦት ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ትካላት ስለ ዘይሰኣኑ፡ ኣብ ካልኦት ትካላት ኬድካ ገንዘብካ ከፊልካ ኢንቹራንስ ሓዝ። ዝበዝሐ ሰብ ኣበይ ይመርጽ ኣሎ ኣብዚ ታሕቲ ምዕዛብ ይከኣል እዩ።
ዝበዝሐ ሰብ ኣበይ ክድኮን ይመርጽ ኣሎ? | ብዝሒ ሰብ |
---|---|
ኣብ ሆላንድ ክድኮን ዝመርጹ ሰባት | 0 |
ኣብ ዩጋንዳ ክድኮን ዝመርጹ ሰባት | 0 |
ኣብ ኢትዮ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ክድኮን ዝመርጹ ሰባት | 0 |
ንሕና ከም ሕብረተሰብ ካብ ሃገርና ዝተሰደድና፡ ኣብቲ ተሰዲድና ንነብረሉ ዘለና ሃገር ከኣ ጽቡቕ ጌርና ዘይተወሃሃድናን ምስቲ ንነብረሉ ሕብረተሰብ ዱልዱል ዝምድና ዘይመስረትናን ሕብረተሰብ ኢና። እዚ ሎሚ ንትከሎ እሞ ኣብ ዘመን ስደትና ኸኣ ጽላል ክኾነና እዩ ንብሎ ዘለና ትካል እምበኣር፡ ምስቲ ንሕና ንነብረሉ ሃገር ድልዱል ዝምድናን ምቅርራብን ምእንቲ ክህልወና ምስታ ትካልና ንተኽለላ ሃገርን ሕብረተሰብን፡ ኣወንታዊ ስእልን ጽልዋን ክንፈጥር ኢና ንደሊ። ንሱ ብኸመይ ክካየድ ከም ዝኽእል እምበኣር ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ስእሊ ክትዕዘቦ ትኽእል ኢኻ። ረብሓናን ዕላማናን ስነ ልቦናዊ ሕውየት ሕብረተሰብና እዩ።
- ሕዝባዊ ትካል ሕብረተሰብ ይተክል።
- ሕዝባዊ ትካል ሕብረተሰብ የጽልል።
- ሕዝባዊ ትካል ሕብረተሰብ የድሕን።
- ንጸገምና ናብ ጸጋ ክንቅይሮ ንኽእል ኢና።