ነዚ ፕሮጀክት እዚ ከም ሕብረተሰብ ሓቢርና ክነዐውቶን፡ ንሕብረተሰብና ብዝጥዕም ኣገባብ ክንሕዞን እንተ ኼና፡ ኣብያተ እምነታት ሃገርና ከም ሃይማኖታውያን ትካላት፡ ውልቀ ሰብ ድማ ከም ኣባል ናይ ሕብረተሰብና ኣብዚ ፕሮጀክት ምትእምማን ክህልዎ ኣለዎ። እቲ ምትእምማን ዝፍጠር እምበኣር ክምለስ ዝግበኦ ሕቶ ሃይማኖታውያን ትካላትናን፡ ሕቶ ኣባላተንን ምስ ዝምለስ ጥራሕ እዩ። ዘለኩም ሕቶ ኣብቲ ኣብ Youtube ዝተዋህበ መብርህን፡ ኣብዚ ወብሳይት ዝሰፈረ ጽሕፉን፡ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ሕቶን መልስን እንተ ዘይተመሊሱ፡ ብእኩብ ደረጃ ናይ Zoom ቆጸራ ምሓዝ ይከኣል እዩ። ቅድሚኡ ግን ነዞም ኣብዚ ታሕቲ ሰፊሮም ዘለዉ ሕቶን መልስን ፈትሽዎም!
እዚ ፕሮጀክት ንተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ጥራሕ ድዩ ዝምልከት?
Nee. እዚ ፕሮጀክት እዚ ንኹሉ ማሕበረሰብ ኤርትራ እዩ ዝምልከት። እቲ ቀንዲ ሕመረት ናይዚ ፕሮጀክት: ሕብረተሰብ ኤርትራ ብሕብረት ንዕኡ ኣብ ዝጥዕሞ ሃገር: መካነ-መቓብር ክውንን ንምኽኣል እዩ። እቲ ዝግዛእ ባይታ ንኹለን ሃይማኖታት ሃገርና ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ ይግዛእ። ከከም ዓቕሚ ሰበን ርኢኻ ድማ ብደረት ትመቕለን። ኩለን ተጠቀምቲ ይኾና። ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሕቶ ኸኣ ብሓደ ይምለስ።
እዚ ፕሮጀክት ንምንታይ ብኸምዚ ክተሓዝ ተደልዩ?
ሕብረተሰብና ውሑድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ከም ካልኦት ሕብረተሰባት ነዊሕ ዝተቐመጠ ኣይኮነን። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ: ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ጎድኑ ውን ድኹም እዩ። ስለዚ ኩለን ሃይማኖታት በብመንገደን ነናይ በይነን መካነ-መቓብር ክገዝኣ እንተ ደልየን፡ ብፋይናንስ ኮነ ብሕጋዊ ኣሰራርሓ ክብርትዐን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ሓደ ዝገብረን ሓቢረን፡ ኣብቲ ዝፈላልየን ነጥቢ ኸኣ ተኻባቢረን፡ ዓቅመን ኣኪበን ብሓደ ተጠርኒፈን ነዚ ሕቶ ክምልሰኦ ድሉዋት ብምዃን ነዚ ፕሮጀክት እንተ ዘይነጺገነኦ ግን ሓቢርና ክንምልሶ ብፋይናንስ ኮነ ብሕጋዊ ኣሰራርሓ ኣይከብደናን እዩ። ምኽንያቱ 50 ለሚን ንሓደ ሸኸም፡ ን 50 ሰባት ግን ጨና ስለ ዝኾነ።
ኣብዚ ፕሮጀክት ክንደይ ሃገራት ተገዳስነት ኣለወን?
እቲ ኣገልግሎት ናይ ኢንቹራንስ ዝህብ ትካል ብ Software ኣብ ሓደ kantoor ኮይኑ ዝሰርሕ ትካል ስለ ዝኾነ ቦታ ኣይሕዘለንን እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብዚ ኢንተረስት የብለይን ዝበለት የላን። እቲ መካነ-መቓብር ኣብ ሃገርና ክድኮን ይከኣል እዩ ዝበላ ሃገራት ግን፡
- ኔዘርላንድ
- ሽወደን
- ቤልጁም ካብ ኤውሮጳ፡
- ዩጋንዳን & ኢትዮጵያን ከኣ ካብ ኣፍሪቃ እየን።
እዚ ፕሮጀክት ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ክንደይ ግዜን ገንዘብን ክበልዕ ይኽእል ኣብ ኤውሮጳ?
ብመልክዕ ገንዘብ ክረአ ኸሎ፡ ኣብዘን ኤውሮጳውያን ሃገራት፡ ሓደ ሽሕ መቃብር ክሕዝ ዝኽእል ቦታ ካብ 350 ክሳብ 850 ሽሕ ይሮ ይበጽሕ እዩ ብሓርፋፍ ገምጋም። እዚ ነቲ መግዝኢ ጥራሕ ዝወጽእ እዩ። እቲ ባይታ ቅድሚ ምግዝኡ ግን ክምርመር ኣለዎ ከምኡ ውን ንዕኡ ዘድልይዎ ልቸንሳታት ኣለውዎ። እዚኦም ኩሎም ተደማሚሮም ከኣ ካብ 25 - 80 ሽሕ ይሮ ይበጽሑ እዮም። ብመልክዕ ግዜ ክረአ ኸሎ ኸኣ እቲ ፕሮጀክት ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ካብ 4 ክሳብ 6 ዓመት ይበልዕ እዩ። እዚ በቲ ማእከላይ ገምጋም እዩ። ሓደ ከም ኣብነት ክጥቀስ ንደልዮ፡ ኣስላም ሕብረተሰብ ኣብ ከባቢ ሮተርዳም ናይ ባዕሎም መካነ መቓብር የጣይሱ ኣለዉ። ነዚ ፕሮጀክት እዚ ኣብ 2018 እዮም ጀሚረሞ። ኣብ መወዳእታ 2026 ከኣ ንኣገልግሎት ክውዕል ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። እዚ ብግዜ ክርአ ኸሎ ከባቢ 8 ዓመት በሊዑ ኣሎ ማለት እዩ።
እዚ ፕሮጀክት ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ክንደይ ግዜን ገንዘብን ክበልዕ ይኽእል ኣብ ኣፍሪቃ?
ኣብ ዩጋንዳ ካብ 6 ክሳብ 15 ወርሒ ክበልዕ ይኽእል። ብገንዘብ ከኣ ክሳብ 120 ሽሕ ይሮ ክበጽሕ ይኽእል። እዚ ማለት እቲ ባይታ ተገዚኡ፡ ንኣገልግሎት ድሉው ክሳብ ዝኸውን ማለት እዩ። ኣብ ኢትዮጵያኾይኑ ኣብ ትግራይ ከኣ እንተ ነዊሑ ክሳብ ሓደ ዓመት ክበልዕ ይኽእል እዩ። ብመልክዕ ገንዘብ ክረአ ኸሎ ኸኣ ካብቲ ናይ ኡጋንዳ ኣይከብርን እዩ። ፌደራል መንግስት ኢትዮጵያ ነዚ ሕቶ እዚ ኣብ ኦሮሞ፡ ዓፋር፡ ዓደ-ምሓራን፡ ትግራይን ክምልሶ ከም ዝኽእል ኣብቲ ዝተገብረ ዝርርብ ሓቢሩ እዩ። እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝሕግዙና ትካላት መጀመርታ ምስ ፌደራል መንግስቲ የራኽቡኻ፡ ፌደራል መንስግስቲ ኸኣ ነቲ ሕቶ ክምልሱ ምስ ዝኽእሉ ጨናፍር ምሕደራኡ የራኽበካ።
ኣብ ኩለን ክልላት ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ቦታ ባይታ ተገዚኡ ተጠርኒፍና፡ ናይ ኦርቶዶክስ፡ ናይ ኳቴልኽ፡ ናይ ፕሮቴስታንት እና በልና ኣብ ማእከሉ ደረት ኣቐሚጥና ነቲ ዝገዛእናዮ ባይታ ከከም ሃይማኖታዊ ስርዓትና ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ካብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ክትሰርሓሉን ክትተሓባበርን ትደሊ ድማ ትግራይ እያ። ትግራይ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ "ነዚ ሕቶ እዚ ክንምልስ ግዜ ዘድልየና እኳ እንተ ኾነ ግን ድማ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተረዳዲእና ነዚ ፕሮጀክት ንሕና ክንሕዞ ንደሊ ኢና። ምኽንያቱ ንሕናን ሕዝቢ ኤርትራን ናይ ቋንቋን፡ ባህልን፡ እምነትን፡ ስርዓተ መነባብሮን ቅርርብ ዘለና ሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃና፡ እዞም ክልተ ህዝብታት ክራኸቡን ኣብ ጸገምን ራህዋን ክደጋገፉን ውን ሰናይ ድሌትና እዩ።" ብምባል መልሲ ሂቦም ኣለዉ!
ብምቕጻል ኣብ ድያስፖራ ዝነብር ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ነዚ ናቶም ሓሳብ እንተ ደጊፍዎ ብኽልተ መንገዲ ክተሓዝ ከም ዝከኣል ኣነጺሮም ኣለዉ። እቲ 1ይ እቲ ን ኤርትራውያን ዝዳሎ መካነ-መቓብር ብናጻ ኾይኑ ግን እቶም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ትግራይ ትሕዞ መካነ-መቓብር፡ እቶም ናይ ኤርትራ ካቶሊክ ከኣ፡ ኣብቲ ናይ ትግራይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትሕዞ ቦታ ን ኤርትራውያን ቦታ ክሕዛእ፡ እቶም ካልኦት ውን ብኸምኡ ክኸዱን ክጥቀሙን ይኽእሉ እዮም። እቲ 2ይ መንገዲ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ንዓና ዝኸውን ቦታ ክንገዝእ ገዚእና ኸኣ ኩነታት ሃገርና ክሳብ ዝመሓየሽ ክንጥቀም ከም ንኽእል እዩ። ንሕና ብወገና ነዚ ኣብ ቁጽሪ 2 ዝተገልጸ ዕድል ክንጥቀመሉ ኢና ንደሊ። ምኽንያቱ 1ይ ኣብ ሓደ ቦታ ክኾነልና ስለ ንደሊ፡ 2ይ ከኣ ዓብይ ፕሮጀክት እዩ ዘለና። እዚ ማለት ኣብ ኢታልን ፈረንሳን ካልኦት ሃገራትን ዘሎ ሬሳታት ኤርትራውያን ውን ቤተ ሰቦም ፍቓደኛታት እንተ ኾይኖም፡ ክንእክቦን ኩነታት ሃገርና ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ሓደ ቦታ ክንሕዞን ንደሊ ኢና። እዚ ክኸውን እንተ ኾይኑ ድማ ንሕና ገንዘብና ኸፊልና ንገዝኦን ንጥቀመሉን ባይታ ክህልወና ናይ ግድን እዩ።
ኣብ ኤውሮጳ ምስ ንድኩኖ ንሕና ንረብሖ ኣወንታዊ ጎድኑ እንታይ’ዩ?
- ኣብ ጥቓና ይኾነልና። ናብ ርሑቅ ምጉዓዝ ኣየድለየናን። ብቐሊሉ ኸኣ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክንሳተፍን፡ ብኣካል ተረኺብና ዝሓዘኑ ክነጸናንዕን ንኽእል።
- ከም ሕብረተሰብ መጠን ባዕልና ንውንኖ “መካነ-መቓብር” ይህልወና። እዚ ሽግር ኣባና ከብቅዕ እቲ ሕሰም ናብ ደቅና ከይሰግር ክንከላኸሎ ኸኣ የኽእለና።
- ንምጅማሩ ከቢድ እኳ እንተ ኾነ፡ ንመጻኢ ግን እቲ ንሕና ንኸፍሎ ዋጋ እና ሓሰረ ክኸይድ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ዋናታት እና ኾና ስለ ንኸይድ።
- ነቶም ኣብ ኤርትራ ክቕበሩ ዘይክእሉ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከይኣትዉ፡ ካብ ብርቱዕ ገንዘብ ምኽፋልን ኣብ ዓዲ ምስቲ ሬሳ ዝፍጠር ዋጢጣትን ክነድሕኖን ንኽእል።
ኣብ ኤውሮጳ ክድኮን ምስ ንውስን ከጋጥመና ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ ኸ እንታይ እዩ?
- ንኽጅመር ብዙሕ ገንዘብ እዩ ዝሓትት። ንኽዕወት ውን ነዊሕ ዓመት እዩ ዝበልዕ። እዚ ማለት ግን ኣይከኣልን እዩ ማለት ኣይኮነን።
- ምስ ካልኦት ስደተኛታት ሕብረተሰብ ኣነጻጺርካ ሕብረተሰብና ውሑድ እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ምውሓዱ ድማ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ጉድኑ ድኹም እዩ። እዚ ድማ እቲ ፕሮጀክት ተጀሚሩ ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕ ይኽእል ዶ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ይፈጥረልካ! ምኽንያቱ ንሕብረተሰብና ንዕኡ ኣብ ዝጠቅም ጉዳይ ክሳተፍን ክሓትትን ስለ ዘይትረኽቦ።
- ካብቲ ሕብረተሰብና ዝለመዶ ሕጊ ዝኸበደ ኣሰራርሓን ኣፈጻጽማን ኣለዎ። ሕብረተሰብ በዚ ከይጭነቕን ተስፋ ከይቆርጽን ስክፍታ ይፈጥረልካ። ካብ ሓደጋ ክተድሕኖ እና ሓሰብካ ከይጭነቕ ብኡ ኣቢሉ ኸኣ ናብ ዝበኣሰ ሽግር ከይኣቱ ውን ትፈርሕ!
- እዚ ፕሮጀክት ተጀሚሩ ኣብ መስርሕ እና ሃለወ ኸሎ ወይ ድሕሪ 10 ዓመት ኩነታት ሃገርና እንተ ተቐይሩ፡ ሕዝቢ ኸኣ ምስቲ ሽዑ ዝፍጠር ኩነታት ሓሳቡ ክቕይር ይኽእል እዩ፡፡ ምኽንያቱ ምስ ሆላንድ ካብ ዘለዎ ዝኽርን ስነ-ልቦናዊ ዝምድናን ንላዕሊ ምስ ኤርትራ ሃገሩ ዘለዎ ስምድናን ስነ-ልቦናን ስለ ዝዓቢ። እዚ ድማ ከም ሕብረተሰብ ዓብይ ፋይናንሳዊ ክሳራ ከስዕበልና ይኽእል እዩ። ሕብረተሰብ ከምኡ ምምራጹ ጌጋ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ሕብረተሰብና ስነ-ኣእምራዊ ጥዕናኡ ክመሓየሽ እንተ ኾይኑ ኸማን፡ ናብ ሃገሩ ብዘይ ስክፍታ ክኣቱን ክወጽእን ምስ ዝኽእል ጥራሕ እዩ። ነዚ ፕሮጀክት እዚ ግን ዓብይ ሓደጋ እዩ።
- ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ፖለቲካዊ ሃዋህው ሃገርና ክቕየር ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ሽዑ ዝመጽእ መንግስቲ ኸኣ ንፍልልያት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝቕበልን ዘኽብርን ምስ ዝኸውን፡ ነዚ ኣብዚ ዝጸንሕ ሬሳታት ኣሕዋትና ናብ ዓዱ ክንመልሶ ግዴታ ኣለና። እዚ ማለት ተወሳኺ ፋይናንሳዊ ናይ ትራንስፖርት ከድሊ እዩ ማለት እዩ። ብፍላይ ከኣ ከም ሕብረተሰብ እቶም ኣብ ኢታሊ ዘለዉ ኣሕዋትና ኣብቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝድኮን መካነ-መቓብር ከዕርፉ እንተ ተረዳዲእና፡ ንዐኦም ካብ ኢታሊ ናብ ሆላንድ፡ ድሕሪ 10 ዓመት ከኣ ካብ ሆላንድ ናብ ኤርትራ 2 ግዜ ናይ ትራንስፖርት ክንከፍል ኢና ማለት እዩ። ዓለም ብፍላይ ከኣ ኢታልን ሆላንድን ኣብቲ መጀመርታ ዝግበር ናይ ትራንስፖርት ዓቅመን ክሕግዛና ይኽእላ እየን። ምኽንያቱ ሆላንድ ኣነ ዝሳተፈላ ሽግር ሕዝብና ዝገልጸላ ዘለኹ ሃገር እያ። ኢታሊ ኸኣ ነቲ ንዓለም ዘስደመመ ግፍዒ ብዓይና ዝረኣየት ሃገር ስለ ዝኾነት። ኣብቲ ኩነታት ሃገርና ምስ ተቐየረ ካብ ሆላንድ ናብ ኤርትራ ዝግበር ጉዕዞ ግን ዘይክሕግዛ ይኽእላ እየን። ምኽንያቱ ንሓደ ጸገም duurzaam ዝኾነ መፍትሒ ክተናድየሉ ስለ ዘለካ። ዝኾነ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳድካ ውን ክትሓስብ ስለ ዘለካ። ስለዚ ድማ እየ ዝሓሸ መፍትሒ ንምርካብ: ዝተፈላለየ ሓሳባት ዘቕርብ ዘለኹ። ኣብ መወዳእታ ግን ዝበዝሐ ሕዝቢ ኣብ ዝመረጾ ክንወድቕ ኢና!
እቲ መካነ-መቓብር ኣብ ትግራይ ክድኮን እንተ ተወሲኑ ንሕና እንታይ ንረብሕ?
- ሓደ ዓይነት ባህልን ስርዓትን ስለ ዘለና፡ ንጸገምና ውን ብደቂቅ ስለ ዝርድእዎ ብዝቐለለ መንገዲ ሽግርና ክንፈትሕ ንኽእል።
- ካብ ኩለን ሃገራት ብዝሓሰረ ፋይናንሳዊ መልክዕ ሽግርና ክንፈትሕ ንኽእል ኢና።
- ጽባሕ ንግሆ ኩነታት ሃገርና ምስ ተቐየረ፡ ነቶም ሕጂ ኣብኡ ዘዕርፉ ወገናትና ብዝቐለለን ብዝሓሰረን መልክዕ ናብ ዓዶም ክንመልሶም ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ካብ ኣውሮጳ ወይ ኡጋንዳ ንላዕሊ፡ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ስለ ዝቐርብ።
- ንኣብነት ነቶም ኣብ ኢታልን ልብያን ዘለዉ ኣሕዋት ናብ ኡጋንዳ ወይ ናብ ሆላንድ ካብ ተምጽኦም፡ ናብ ትግራይ ወሲድካ ከም ዘዕርፉ እንተ ጌርካዮም፡ ናብ ዓዶም ኣቅሪብካዮም ኣለኻ ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ ጽባሕ ንግሆ ናብ ኤርትራ ክተእትዎም እንተ ደሊኻ እቲ ዝነውሐ ጉዕዞን፡ ዝኸበረ ናይ ትራንስፖርት ዋጋን ድሮ ከፊልካዮ ኣለኻ ማለት እዩ።
- ነቲ ብሰንኪ ፖለቲካውያን ውዱባት ናይ ክልቲኡ ሃገር ተረሓሒቁን ተቖሳሲሉን ዘሎ ሕብረተሰብ፡ ክራኸብን ክደጋገፍን፡ ካብ ፖለቲካዊ ቅርሕንቲ ወጺኡ ብዛዕባ መጻኢኡ ክሓስብን ዕድል ትፈጥር ኣለኻ። እቲ ኩነታት ሃገርና ምስ ተቐየረ ኸኣ፡ ኣብ ትግራይ ተሪፉ ብቐጠታ ሰብ ናብ ዓዱ ክኣቱ ከም ዘለዎ ክግበር ይከኣል እዩ።
- እቲ ንዓኻ ናይ ኢንቹራንስ ኣገልግሎት ዝህበካ ትካል፡ ንዓኻ ዝግበኣካ ኣገልግሎት እና ሃበካ ኸሎ፡ በቲ ኻባኻ ዝረብሖ ረብሓ ኸኣ መንእሰያት ምኹስኳስን፡ ሕዱር ሕማም ንዘለዎም ሰባት ከኣ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር እዩ። ስለዚ ተጋሩ ውን ኣወንታዊ ጎድኒ ናይዚ ትካል ተረዲኦም ከማኻ ኣብዚ ትካል ኢንቹራንስ እንተ ሒዞም፡ እቲ ትካል ንኽልቴኹም ዝግበኣኩም ኣገልግሎት እና ሃበኩም ከሎ፡ ካብ ክልቲኡ ጎድኒ ዘለዉ መንእሰያት ከኣ ከሰልጥንን፡ ዝሓሸ መጻኢ ክዉንኑ ክሰርሕን ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ንኽልቲኡ ሕብረተሰብ win-winsituatie እዩ። ክልቴና ድማ ኢና ንረብሕ።
መካነ-መቓብር ኣብ ትግራይ እንተ ተደኩኑ ከጋጥመና ዝኽእል ኣሉታዊ ጎድንታት እንታይ’ዩ?
- ነቲ ኣብ ዓድና ከይንቕበር ዓጽዩና ዘሎ ስርዓት ናብ ኣፍንጫኡ ንውተፎ ስለ ዘለና፡ ብቐጠታ ይኹን ብተዘወዋሪ ከረኻኽበልና ይኽእል እዩ። ብዓቢኡ ኸኣ ሕወሓትን ሻዕብያን እንተ ተዓሪቖም፡ ሕወሓት ንሻዕብያ ኣሕሊፋ ክትህበና ትኽእል እያ። ኣብ ትግራይ ግን ብዝተወሰኑ መልክዑ ቤተ ክርስትያን ናጽነት ስለ ዘለዋ፡ ስምምዕና ኸኣ ምስኣ ስለ ዝኸውን፡ ተረኣ ክትጻወት ትኽእል እያ ዝብል ግምት ኣለኒ።
- በዚ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝነበረ ኩናት ዝተጎድኡ ተጋሩ ስለ ዘለዉ፡ እዚ ጉዳይ ንኸይዕወት ክቃወሙን ከዛሕትልዎን ይኽእሉ ይኾኑ። እቲ ዝውስን ግን እቲ መንግስትን እታ ቤተ ክርስትያንን ስለ ዝኾነ፡ ብዘረባ ሓለፍቲ መንገዲ ዘይምዕንቃፍ!
- ካብ ናትና ሕብረተሰብ ነዚ ዝጽየን ከም ዘሎ ርዱእ ነገር እዩ።
- ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕግርግር፡ ትግራይ ን 2ይ ግዜ ማእከል ኩናት ከይትኸዉን የስግእ እዩ። እዚ ድማ ንዓና ብኣሉታ ክጸልወና ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ኩናት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ንጥፈታትና ንኸይነካይድ ከጸግመና ስለ ዝኽእል።
እቲ መካነ መቓብር ኣብ ዩጋንዳ ምስ ድኮን ከ ንሕና እንታይ ንረብሕ?
እቲ ናይ ዩጋንዳ ጉዳይ ካብ ናይ ተጋሩ ፍልይ ዘብሎ፡ ንሕና መካነ መቓብርና ኣብ ዩጋንዳ እንተ ደኩናዮ፡ ንባዕልና ክንብል ናይ ሎጀስቲክ መንገዲ ካብ ኣውሮጳ ናብ ይጓንዳ ምጥጣሕና ኣይተርፈናን እዩ። ዩጋንዳውያን ከኣ ኣብ ኣውሮጳ ከም ናትና ተመሳሳሊ ጸገም ስለ ዘለዎም፡ ኣብዚ ፕሮጀክት ምሳና ክሓብሩ ይደልዩ እዮም። ኣብዚ ትካል ኢንቹራንስ ብምሓዝ፡ ድንገት ከጋጥሞም ከሎ ኸኣ እዚ ትካል ካብ ኣውሮጳ ናብ ሃገሮም የብጽሖም ኣሎ ማለት እዩ። ብተዘዋወሪ መንገዲ ንኢኮኖሚ ረብሓ ኣለዎ። ካልእ ግን ኣሉታውን ኣወንታውን ጎድኑ ካብቲ ናይ ትግራይ ዘፍሊ የብሉን።
እዚ ፕሮጀክት ንኽዕወት እንታይ የድሊ?
እዚ ፕሮጀክት ንኽዕወት 2 ነገራት የድልይዎ። ንሶም ከኣ....
- ኣብ ሆላንድ ዝነብሩ 2 ሽሕ ሰባት ተመዝጊቦም ኣባላት ናይዚ ትካል ክኾኑ ድሉዋት ዝኾኑ።
- እቲ መካነ-መቓብር ኣበየነይቲ ሃገር ክድኮን ይደልዩ፡ እቶም 2 ሽሕ ሰባትን ኣብያተ ክርስትያናትን ንጹር መልሲ ክህቡ ይግባእ።
እዚ ንምንጻር ብጠቕላላ 6 ወርሒ ኣለና። ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ንጹር መልስን፡ 2 ሽሕ ሰባትን እንተ ዘይተረኺቦም ግን፡ እቲ ፕሮጀክት ደው ከብልዎ እዮም። ምኽንያቱ ኣብ ሆላንድ 25 ሽሕ ኤርትራዊ እዩ ዝነብር፡ ስለዚ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ 2 ሽሕ ሰብን፡ ንጹር መልስን ክወሃብ እንተ ዘይክኢሉ እዚ ዘሻቅል ጸገም ከም ዘይኮነ እዩ ዝርአ።
ስለዚ እዚ ፕሮጀክት ክዕወት ትደልዮ እንተ ኾንካ፡ ዋናን ኣባልን ናይዚ ሓሳብ ኮንካ፡ እዚ ሓሳብ ንኽዕወት ግቡእካ ግበር። ኣነ እቲ ንበይነይ ኮይነ ክሰርሖ ዝግበኣኒ ሰራሕ ሰሪሐ ወዲአ እየ።
Sociaal Onderneming እንታይ ማለት እዩ?
ሕብረተሰባዊ ስነ-ልቦናን ተልእኾን ዘለዎ፡ ንኹሉ ዘማእከለ ትካል ኮይኑ፡ እና ለመነ ዘይኮነስ እና ሰርሐ ኢኮኖሚ ዝፈጥር፡ በቲ ዝፈጠሮ ኢኮኖሚ ኸኣ ማሕበረሰባዊ ሕቶታት ዝምልስ ትካል ማለት እዩ። ክምስረት ከሎ ብማእከልነት notaris & ክኢላታት ሕግን እዩ ዝትከል። ንሰራሕተኛታት ሕዱር ደመወዝ ይኸፍል፡ ገንዘብ ይልቃሕ፡ ቀረጽ ይኸፍል፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኣወንታዊ ጽልዋ እንተ ኣሕዲሩ ድማ ካብ ደገፍቱን፡ ለውጢ ንኽፍጠር ዘተባብዑ ባንክታትን፡ ኣካላት መንግስትን ንፋይናንሳዊ ሽልማት ይሕጸ።
ቁሩብ ኔዘርላንድስ ትኽእል እንተ ኾንካ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ፈትሽ። ኣብ Google እዉን እኹል ሓበሬታ ኣለካ!
ሕጋዊ ስብእና ናይዚ ትካል ከመይ እዩ?
ሕጋዊ ስብእና ናይዚ ትካል holdingstructuur en steward-ownership እዩ። እዚ ሕጋዊ ስብእና እዚ፡ ነዚ ትካል ካብ ስትራተጂካውያን ጸላእቲ የድሕኖ፡ ክብገስ ከሎ ሕብረተሰብ እንተ ደጊፍዎን፡ ኢንቹራንስ ብምሓዝ ተሳትፎይ ከረጋግጽ እየ እንተ ኢሉን ንዝመጹ 70/80 ዓመታት ከኺድዎ ዝኽእሉ ስትራተጂ ክሕንጽጽን ከተግብሮን ይኽእል። ምኽንያቱ ብሕጊ 100% ካብ ጸላእቲ ሕሉው ወይ ውሑስ እዩ። እቲ ሓደ ዝሕልዎን ዝቆጻጸሮን ኣካል ሕጋውያን ትካላት ሆላንድ እዮም። ብፋይናንስ ድማ ዝስዕብዎን ዝኽተልዎን ሰባት ስለ ዝህልውዎ ገዛእ ርእሱ ክኢሉ ልቓሑ ክመልስን፡ ዝተተኽለሉ ዕላማ ክሃርምን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ዕላምኡ ኢኮኖሚ ምፍጣርን፡ ማሕበራዊ ሕቶ ሕብረተሰብና ምምላስን ጥራሕ እዩ።
ኣብዚ ፕሮጀክት ኢንቨስት ክገብር ይኽእል ዶ?
ኣብዚ ፕሮጀክት ኢንቨስት ምግባር ይከኣል እዩ ግን ብልቓሕ ወይ ብናጻ ህያብ ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል። እዚ ማለት ንኣብነት 10 ሽሕ ዶላር ሒዝካ መጺኻ ኣነ ገንዘብ ኣለኒ፡ ንስኹም ከኣ ሓሳብ ኣለኩም ስለዚ ሓቢርና ነዕውቶ እሞ ክልቴና ኸኣ ዋናታት ናይዚ ፕሮጀክት ንኸውን ምባል ኣይከኣልን እዩ። ምስ ኩሎም ባንክታትን ኣብዚ ሓሳብ ኢንቨስት ክገብሩ ዝደልዩ ትካላትን ውን ብኸምኡ ኢና ንሰርሕ። ንሶም ንኣብነት 100 ሽሕ የለቅሑና፡ ንሕና ኸኣ 100 ሽሕን፡ ተወሳኺ ናቱ ቀረጽን ብላዕሊ ጌርና ኣብ ዝተወሰነ ዓመታት ንመልሰሎም። ወይ ድማ ሒዝናዮ ዘለና ፕሮጀክትን ዕላማን ቅዱስ ምዃኑ ኣሚኖም፡ እቲ 100 ሽሕ ብዘይ ልቃሕ ከም ህያብ ይህቡና። ኣብ ግብሪ ኣውዒልናዮ ዶ ኣየውዓልናዮን ግን ጭብጢ ይሓቱና። ከምዚ ዓይነት ሜላ ክንጥቀም ንግደድ እቶም ኣብዚ ፕሮጀክት ኢንቨስት ዝገብሩ ሰባት ወይ ትካላት ነዚ ፕሮጀክት ኣንፈት መኣዝኑ ከየስሕትዎን፡ እቲ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውናን ዘኽእለካ autonomie ካብዚ ትካልን፡ ካብ ሕብረተሰብናን ክርሕቅ ስለ ዘይንደልዮን እዩ።
ኣብ ኣውሮጳ ዝነብሩ ሰባት ከ ድምጾም ክህቡ ይኽእሉ ዶ?
እወ ኣብ ኣውሮጳ ዝነብሩ ሰባት ነቲ ፎርም ክመልእዎ ይኽእሉ እዮም። ንዕኡ ብምምላእ ንሕና እቲ ዝበዝሐ ሰብ ኣበይ ከም ዝደሊ ክንግምት ይሕግዘና እዩ። እቲ 2 ሽሕ ዝበሃል ዘሎ ዓቅሚ ሰብ ግን ኣብ ሆላንድ ንዝነብር ኤርትራዊ ጥራሕ እዩ ዝምልከት። እዚ 2 ሽሕ ተባሂሉ ዘሎ ዓቅሚ ሰብ ምስቲ ኣብ ሆላንድ ዝነብር 25 ሽሕ ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ግምት የእትዮም እዮም። ብደረጃ ኣውሮጳ ክሕሰብ እንተ ኾይኑ ግን እቲ ቁጽሪ ልዕሊ 10 ሽሕ ክድይብ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኣውሮጳ ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውያን እዮም ዝነብሩ።
እዚ ፕሮጀክት ንኽዕወት ካባይ እንታይ የድሊ?
እዚ ፕሮጀክት ንኽዕወት ካባኻ ንጽበዮ ኢንቹራንስ ምሓዝ ጥራሕ ኣይኮነን። እዚ ፕሮጀክት ንኽዕወት ንስኻ ኣባልን ዋናን ናይዚ ፕሮጀክት ምዃንካ ክትፈልጥ ይግባእ። ንሕና ከም ሕብረተሰብ ኣብ ስደት ዝጣበቕልና መንግሳታዊ ኣካልን ትካልን የብልናን። እቶም ዘለዉ ብኣንጻሩ ክሳድ ሕብረተሰብና ዘድንኑ እዮም። ስለዚ ክሳድ ሕብረተሰብና ዘቕንዕን፡ ኣብ ስደት ጽላል ሕብረተሰብና ዝኸውንን ትካል ምትካልን ምዕዋትን ናትካ ሓላፍነት እውን'ዩ።
ስለዚ መጀመርታ........
- ንባዕልኻ ነቲ ሓሳብ ብግቡእ ክትርደኦ ፈትን። ምኽንያቱ ንባዕልኻ ብግቡእ ዘይተረድኣካ ነገር ንኻልኦት ክተብርሃሎም ስለ ዘይትኽእል።
- እቲ ስነ ሓሳብ ብግቡእ እንተ ተረዲኡካ፡ ነዚ ፎርም ብምምላእ ውልቃዊ ምርጫኻ፡ ማለት እቲ ኣብ ስደት ዝድኮን መካነ መቓብር ኣበየነይቲ ሃገር እንተ ኾነ ይሓይሽ ምርጫኻ ሃብ።
- እዚ ሓሳብ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዘለዉ ሰባት ኣላልዮ። ንኣብነት ከንብቡ ዘይክእሉ ሰባት ኣብ ከባቢኻ ምስ ዝህልዉ ነቲ ናይ Youtube መግለጺ ክሰምዕዎ ሓግዞም። ዘይተመለሰ ሕቶ ምስ ዝህልዎም ድማ ኣብዚ ወብሳይት ክህሉ ስለ ዝኽእል፡ ፈቲሽካ መልሰሎም።
ኢንቹራንስ ክሕዝ እንተ ኾይነ ንወርሒ ክንደይ ይኸፍል?
እቲ ንስኻ ትኸፍሎ ወርሓዊ ኢንቹራንስ ንወርሒ 13 ይሮ እዩ። ክትኣቱ ከለኻ ኸኣ መመዝገቢ 50 ይሮ ኣለዎ። ንመጻኢ እቲ ብዝሒ ሰብ እና ወሰኸ እንተ ኸይዱ፡ እቲ ዋጋ ኸኣ እና ቐነሰ ክኸይድ እዩ። እዚ 13 ይሮ ንልዕሊ 18 ዝገበረ ሰብ ጥራሕ እዩ ዝምልከት። ትሕቲ 18 ቆልዑ ኣብ ትሕቲ ወለዶም እዮም ዘጽልሉ። እዚ 13 ይሮ ወይ ንትራንስፖርት ክሳብ ኣፍሪቃ፡ ወይ ከኣ ንመቓብር ኣብ ኣውሮጳ ጥራሕ እዩ ክሽፍን ዝኽእል። 13 ይሮ ብምኽፋል፡ መጀመርታ 10, 20, ወይ 30 ዓመት ኣብ ኣውሮጳ ንመቓብር ደሓር ከኣ ካብ ኣውሮጳ ናብ ኤርትራ ናይ ትራንስፖርት ክሽፍነልካ ኣይክእልን እዩ። ከምኡ ክኸውን እንተ ኾይኑ እቲ ዋጋ ብዕጽፍታት ስለ ዝኸብር ክኸፍሎ ዝኽእል ኤርትራዊ የለን። ስለዚ ንሱ ምስ ሕብረተሰብና ዝኸይድ ኣይኮነን።
እዚ ፕሮጀክት ንኽዕወት ካብ ኣብያተ እምነታት ሃገርና እንታይ የድሊ?
እዚ ፕሮጀክት እዚ ንኽዕወት ተሳትፎ ናይ ነብሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ካብ መጠን ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ሓቢረን ዕዉት ስራሕ ንኽሰርሓ ድልውነተን ከረጋግጻን፡ ኩነታት ሃገርና ክሳብ ዝመሓየሽ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብልና ተረዲአን፡ እቲ ብሕብረት ክንጥቀመሉ ንደሊ ዘለና መካነ መቓብር ኣብ ኣውሮጳ ዶ ወይስ ኣብ ኣፍሪቃ እንተ ተደኮነ ምኽረን (ምርጨአን) ክህባን ንጽበየን። ብድሕሪ እዚ ፕሮጀክት እውን ካልእ ዝኾነ ፖለቲካዊ ተልእኾ ከም ዘይብሉ ፈሊጠን ብትብዓት ክሓስባን፡ ንግዝይኡ ዝሓሸ ፍታሕ ከቐምጣን ይግባእ።
75% ኣብ ኣፍሪቃ፡ 25% ከኣ ኣብ ኣውሮጳ እንተ መሪጹ ወይ ብኣንጻሩ እንተ ኾይኑ ኸ?
75% እቲ መካነ መቓብር ኣብ ኣፍሪቃ ክድኮን እንተ መሪጾም፡ ከምኡ ውን እቲ ኣብ ላምፓዱዛን ፈረንሳን ዘሎ ሬሳታት ኤርትራውያን ውን ናብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንድኩኖ መካነ መቓብር ክኸይድ፡ ቤተ ሰብን ኣብያተ እምነታትን ፍቓድና እዩ እንተ ኢሎም፡ ኩነታት ሃገርና ክሳብ ዝቕየር ኤርትራውያን ካብ ዓለም ሙሉእ መጽዮም ዘዕርፍሉ መካነ መቓብር ኣብ ኣፍሪቃ ክነዐውትን ክነጣይስን ኢና። ኣብቲ ንሕና ኣብ ኣፍሪቃ ባይታ ገዚእና ንኤርትራውያን ነጣይሶ መካነ መቓብር፡ ኩነታት ሃገርና ክሳብ ዝመሓየሽ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ኤርትራ ክቕበር ዘይክእል ካብ ምዕራብ ዓለም መጽዩ ከዕርፈሉ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ንሕና ነጣይሶ መካነ መቓብር ንኽቕበር፡ ንዓና ገንዘብ ምኽፋል ኣየድልዮን እዩ። ነቲ ኣባና ኢንቹራንስ ዝሕዝ ሰብ ናይ ትራንስፖርት ንሕና ኢና ንኸፍለሉ፡ ነቲ ኣባና ኢንቹራንስ ዘይብሉ ሰብ ግን ንሕና ኣይንኸፍለሉን ኢና። ኣባና ኢንቹራንስ ሰለ ዘይብሉ ግን ኣብቲ ንሕና ኣብ ኣፍሪቃ ነጣይሶ መካነ መቓብር ኣይቅበርን እዩ ኣይንብሎን ኣይነኽፍሎን ውን ኢና። ምኽንያቱ ንሕና ስነ ልቦናዊ ሕውየት ሕብረተሰብ ምርግጋጽ ስለ ዝኾነ ዕላማና።
ነቶም ዝተረፉ 25% ኣብ ኣውሮጳ ይኹን ኢሎም ዝመርጹ ድማ ንዓና ክሕግዙና ዝደልዩ ናይ ዝተፈላለዩ መምሕዳራት ከተማታት ስለ ዘለዉ፡ ምስኦም ተሰማሚዕና ነዞም ኤርትራውያን እዚኦም ዝኸውን ፍሉይ ቦታ ክንሕዘሎም ኢና። ዝኾነ ሰብ ኣብ ኣውሮጳ ክኸውን እንተ መሪጹ፡ መጀመርታ ናይ መቓብር፡ ቀጺሉ ኸኣ ጽባሕ ንግሆ ኩነታት ሃገርና ምስ ተቐየረ ሬሳኡ ናብ ኤርትራ ከግዕዞ ኸሎ ናይ ትራንስፖርት ዝኽፈል ከም ዘለዎ ክዝንግዕ የብሉን።
75% ወይ ልዕሊኡ ኣብ ኣውሮጳ ይኹን ዝብል እንተ ኾይኑ ግን እቲ ዘይተርፍ ነዊሕን ኣድካምን ጉዕዞ ክጅመር እዩ። ሕብረተሰብ ክርደኦ ዘለዎ ግን፡ ነዊሕ ግዜ ዝበልዕን ብዙሕ ገንዘብ ዝሓትትን፡ ብተሪር ሕጊ ዝመሓደርን ስለ ዝኾነ፡ ንሕና ካልኦት ንሕብረተሰብ ዘርብሑ ፕሮጀክትታት ክነዐውት ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ብገንዘብ ኮነ ብሕጊ ቀሊል ጾር ስለ ዘይኮነ። ተወሳኺ ናይ ኤርትራ ኩነታት ይቀየር ኣይቀየር ናብ ካልእ ቦታ ኣይንኸይድን ኢና።
ሕጂ ፋይናንሳዊ ድጋፍ የድሊ ድዩ?
ሕጂ ኣየድልን እዩ። ንሕጂ ዘድልየና ንጹር መልስን ክሳተፍ ዝደሊ ዓቅሚ ሰብን ጥራሕ እዩ። ንጹር መልሲ ምስ ተረኽበ፡ እኹል ዓቅሚ ሰብ ከኣ ምስ ተኣከበ ግን፡ ንኣብነት ሕብረተሰብን ኣብያተ እምነታትን እቲ ግዝያዊ መካነ መቓብር ኩነታት ሃገርና ክሳብ ዝቕየር ኣብ ኣፍሪቃ ይዶኮን እንተ ኢሎም፡ እኹል ኢንቹራንስ ክሕዝ ዝኽእል ሰብ ከኣ እንተ ተረኺቡ፡ እዚ ምዕራፍ ዝተሰምየ ፕሮጀክት ካብ'ቶም ኣብዚ ፕሮጀክት ኢንቨስት ክገብሩ ዝደልዩ ዘለዉ ባንክታት ገንዘብ ተለቂሑ ንዓናን ነቲ ናይ ላምፓዱዛን ኣብ ግምት ዘእተወ ባይታ ገዚኡ ከጣጥሕ እዩ። ድሕሪኡ እቲ ኣብ ኢታሊ ዘሎ ሬሳታት ናብኡ ክኸይድ ምስ ተወድአ መጀመርታ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ብዓቢኡ ኸኣ ካብ ሆላንድን ኢታልን ንናይ ትራንስፖርት ዝኸውን ወግዓዊ ሓገዝ ክሕተት እዩ። ንሱ ዘይኣክል እንተ ኾይኑ ግን ካብ ሕብረተሰብናን ኣብያተ እምነታት ሃገርናን ደገፍ ከድሊ እዩ። እዚ ክብል ዝኸኣልኩ ነዚ ፕሮጀክት ምስ ኢንቨስተራት ከላልዮ ከለኹ ማሕበራዊ ጸገም ዝፈትሕ ምዃኑ በቶም ኣካላት ስለ ዝተኣመነሉን፡ ናተይ ፕሮጀክት ካብቶም ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኮይኑ ፋይናንሳዊ ድጋፍ ዘድልዮ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ እዩ።
ክሳብ ሽዑ ግን ዝኾነ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ኣየድልን እዩ። መጀመርታ ሕብረተሰብን ኣብያተ እምነታትን ተላዚቦም ንጹር መልሲ ክህቡ ጥራሕ ኢና ንጽበ።
እቲ መካነ መቓብር ኣብ ኣውሮጳ ይደኮን ምስ ዝበሃል ግን እቲ ፕሮጀክት ክቕጽል እዩ። እቲ ናይ ላምፓዱዛ ጉዳይ ግን ናብዚ ኣብ ኣውሮጳ ዝጣየስ መካነ መቓብር ተዘይመጸ ይምረጽ። ምኽንያቱ ሓደ ንመጻኢ ሕብረተሰብና ኣስካሬኑ ሒዙ ናብ ሃገሩ ክምለስ ከሎ ፋይናንሳዊ ሕቶ ክሓቶ እዩ። 2ይ ከኣ እቲ ናይ ሃገርና ኩነታት መዓስ ይመሓየሽ ስለ ዘይፍለጥ ብዙሕ ቦታ ውን ክሕዝ ይኽእል እዩ።
ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ እኹል ሰብ እንተ ዘይተረኺቡ ኸ?
ኣብ ኔዘርላንድ ዳርጋ 26 ሽሕ ኤርትራዊ እዩ ዝነብር። ስለዚ ክፍታሕ ዝግበኦን ንብዙሓት ዘሸግር ዘሎ ጸገምን እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ 2 ሽሕ ሰባት ክርከቡ ኣለዎም። ተወሳኺ እዞም ሰባት እዚኦም እቲ መካነ-መቓብር ኣበየነይቲ ሃገር ይድኮን፡ ምርጨኦም ክህቡ ኣለዎም። በቲ ዝበዝሐ ዝመርጾ ሰብ ከኣ ትኸይድ። ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ እዚ ዝበሃል ዘሎ ብዝሒ ሰብን፡ ንጹር መልስን እንተ ዘይተረኺቡ ግን፡ እቶም ኣብዚ ፕሮጀክት ኢንቨስት ክገብሩ ዝደልዩ ትካላት ከቋርጽዎ እዮም። ኣብዚ ድሕረ ገጽ እዚ ኸኣ ብወግዒ ክሕበር እዩ። እንተ ተቛሪጹ ድማ፡ ከም ብሓድሽ ካብ ዜሮ ተበጊስካ ክትጅምሮ ትኽእል ኢኻ፡ እንተ ኾነ ግን ኣብ 1ይ ጉዕዞኡ ዘይተዓወተ ኣብ 2ይ ክዕወት ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።
እቲ ናይ 6 ወርሒ ገደብ ግዜ መዓስ እዩ ዝውዳእ?
ካብ ወርሒ 01 2025 ክሳብ ወርሒ መጀመርታ ወርሒ 07 2025 ዘሎ ግዜ ሓደ ንጹር መልሲ ክረከብ ትጽቢት ይግበር። ክሳብ ሽዑ እንተ ዘይተረኺቡ ግን እዚ ፕሮጀክት ደው ክብል እዩ። ከም ዝተዓጽወ ውን ወግዓዊ መብርሂ ክወሃብ እዩ። እዚ ፕሮጀክት እዚ ደው ክብል ዝኽእል ብሕብረተሰብ ተቐባልነት እንተ ዘይረኺቡ፡ ማለት እቲ 2 ሽሕ ሰብ እንተ ዘይተረኺቡን፡ እቲ መካነ መቓብር ኣበየነይቲ ሃገር ይዶኮን እንተ ዘይነጺሩን ጥራሕ እዩ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ኣበይ ክረክብ እኽእል?
ነዚ ምዕራፍ ዝብል ስያመ ዝተዋህበ ፕሮጀክት ዝገልጽ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ዝሓዘ ቪድዮታት ኣብ Youtube channel `Azawit` ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ቅድሚ ዝኾነ መልሲ ወይ ሕቶ ምሃብካ ውን ኣቐዲምካ ነዚ ቪድዮታት እዚ ክትከታተሎ ብትሕትና ነዘኻኽር።
መላግቦ ናይቲ Youtube channel ኣብዚ ኣለካ...
ሕቶይ ኣይተመለሰን። ስለዚ እንታይ ክገብር?
ዘለካ ሕቶ ኣብዚ ላዕሊ እንተ ዘይተመሊሱ፡ ኣብቲ ናይ Youtube ዝተዋህበ መብርህን መግለጽን እውን እንተ ዘይተመሊሱ፡ ንስኻን ንዓኻ ዝመስሉ ሰባትን ተኣኪብኩም ናይ zoom ኣኼባ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም። ስለዚ ዘይተመለሰ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ብውልቅኻ ዘይኮነስ፡ ምስ ደቂ ማሕበርካ፡ ምስ ደቂ ቤተ ክርስትያንካ፡ ምስ ደቂ ዓድኻ፡ ሓቢርካ ናይ ሕብረት ኣኼባ ብ Zoom ክትሕዙ ንመክር። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ውልቃዊ ቆጸራ ክንሕዘሉ ግን ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ በብወልቂ ቆጸራ ምሓዝ፡ ብዙሕ ግዜ ከም ዝበልዕ ትርድኦ ትኸውን!