ድሕረ ባይታይ!

ሙሉእ ስመይ፡ መዓርግ ሙሉእ ይበሃል። ተወሊደ ዝዓበኹሉ ዓዲ ድማ ዓዲ-ወገራ (ዓረት) ከባቢ ዓዲ-ቐይሕ እዩ። ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ተሰዲደ ድማ ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድስ እነብር ኣለኹ። ኣብ ኔዘርላንድስ ምስ ኣተኹ ድማ ከም ኩሉ ሰብ ብዓቅመይ፡ እና ተመሃርኩን እና ሰራሕኩን፡ ንእሽተይ ቋንቋን ውሑዳት ሞያን ኣጽኒዐን የጽንዕ ኣለኹን ክብል ይኽእል። ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡

  1. Logistiek medewerker

  2. Service medewerker

  3. Financiële medewerker

  4. Sociaal Werker ኣጺነዐ ወዲአ። ጎድኒ-ጎድኒ ትምህርተይ ድማ ከም project medewerker ኮይነ ኣብ ትርፊ ግዜየይ ይሰርሕ!

  5. ሕጂ ድማ ነዚ "ምዕራፍ" ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ ዘሎ ፕሮጀክት ቅርጺ ኣብ ምትሓዝን፡ Toegepaste Psychologie ንምጽናዕ ከኣ schakelprogramma ኣለኹ። ጎድኒ-ጎድኒ እዚ ከም coach & projectmedewerker ኮይነ ውን ኣብ ትርፊ ግዝየይ ይሰርሕ። ካልኦት ጎድኒ-ጎድኒ ትምህርተይን ስርሐይን ከም በዓል “Webdesigner” ዝኣመሰሉ ጠቕምቲ ዝወሰድክዎም ኮርሳት ውን ኣለዉ። እንተ ኾነ ናይ 6 ወይ 8 ወርሒ ስልጠና፡ ከም ተወሳኺ ክእለት እምበር ከም ሞያ ክቑጸር ስለ ዘይክእል ክገልጾ ደስ ዘብል ኣይኮነን።

ቅድሚ 3 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ምስ ከማይ ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣሕዋተይን፡ ብቐረባ ዝፈልጦም ሆላንዳውያን መቕርበይን ሓቢርና ንኣዛዊት ኣቑምናያ። ሓደ ካብቶም ብዙሓት ተልእኾ ናይ ኣዛዊት፡ ንዓና ከም ሕብረተሰብ ማሕበራዊ ሂወት ኣብ ስደት ንምብዳህ ዘሽግረና ነገር እንታይ'ዩ ምምርማርን፡ መፍትሒታት ምቕራብን እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኢኮኖሚ ንምፍጣርን፡ ሕብረተሰባዊ ለውጥን፡ ስነ-ልቦናዊ ሕውየት ናይ ሕብረተሰብናን ከቀላጥፉ ዝኽእሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ክሕንጽጽን፡ ክምውልዎን ክተኽልዎን ምስ ዝኽእሉ ባንክታትን ኣካላት መንግስትን ከላልዮ ዕድል ረኺበን ኣላልየዮን ድማ! 

እቲ ቐንዲ ዕላማይ ሕብረተሰባዊ ለውጥን፡ ስነ-ልቦናዊ ሕውየትን ምርግጋጽ እምበር ኢኮኖሚ ምፍጣር ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ ዝባን ሕብረተሰብና ዝጽሒ ዘሎ መከራ ምቕንጣጥን፡ ሕብረተሰብና ከጽልለሉ ዝኽእል ትካል ምትካልን፡ ዋጋ ዝኸፍለሉ ዘለኹን ዝጸናሕኩን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሞያይ ዘሰክመኒ ሓላፍነት እውን እዩ። ሕብረተሰብ ክድግፎ ድዩ ክቃወሞ ወይስ ፖለቲካዊ ትርጉም እናሃበ ንኸይዕወት ንድሕሪት ክጎቶን ክቃለሶን ግን ግዜ ዝምልሶ ሕቶ ክኸውን እዩ።