እዚ ፕሮጀክት እዚ ብተሳትፎ ናይ ነፍሲ ወከፍ እምነት (ሃይማኖት) ተወኪሉ፡ ንረብሓ ሕዝቢ ዝተሓስበ ፕሮጀክት ስለ ዝኾነ፡ ካብ ነብሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ማለት፡ ካብ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ፡ ካብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ፡ ካብ ቤተ ክርስትያን ፕሮቴስታንትን ካልኦት ኣብያተ እምነታትን ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ መልሲ ክንጽበ ኢና። እቲ ዝወሃብ መልሲ ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ብዘየገድስ፡ ብጽሑፍ ክኸውን ይግባእ። ኣብያተ እምነታት ሃገርና መልሲ ቅድሚ ምሃበን ክንጽረለን ዝደልየኦ ሕቶ ምስ ዝህልወን፡ ኢመይል ብምጽሓፍ ቆጸራ ክሕዛ ይኽእላ እየን። ኣብያተ እምነታት ኤርትራ ነዚ ሕቶ እዚ ብሕብረት ንምምላስ ድልውነተን እንተ ኣረጋጊጸን ስዒቡ ዝመጽእ መድረኽ፡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲልካ ብሞንጎኝነት ጠበቓታትን፡ ኖታሪስን (Notaris) ተሰኒኻ፡ እቲ ዘይተርፍ ጉዕዞ ምጅማር ጥራሕ እዩ።

ኣብቲ ዝህበኦ መልሲ ከነጽረኦ ዝግባእ፡

  1. ማሕበራዊ ሕቶ ሕብረተሰብና ንምምላስን፡ ኣንፈት መጻኢ ሕብረተሰብና ንምቕላስን፡ ኣብቲ ሓደ ዝገብረን ሓቢረን፡ ኣብቲ ዝፈላልየን ከኣ ተኸባቢረን ክሰርሓ ከም ዝደልያ ወይ ከም ዘይደልያ ከነጽራ ይግባእ። 

  2. እቲ መካነ መቓብር ኣብ ኣፍሪቃ ዶ ኣብ ኣውሮጳ እንተ ተደኮነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እንተ ኾይኑ ኣብ ኢትዮ ዶ ኣብ ኡጋንዳ ይሕሸን ምርጨአን ወይ ሓሳበን ከነጽራ ይግባእ። ኣብ ኣውሮጳ ክድኮን እንተ ኾይኑ ኣብ ሆላንድ እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ ካብ ሽወደንን ቤልጁምን ንላዕሊ፡ እዚ ፕሮጀክት ኣቃልቦ ዝረኸበ ኣብ ሆላንድ እዩ። 

  3. እዚ ፕሮጀክት ንሕብረተሰብ ተባሂሉ ዝተዳለወ እኳ እንተ ኾነ፡ ነዚ ሕቶ ሓቢርና ክንምልሶን ዕዉት ስራሕ ክስራሕን ተሳትፎ ናይ ዝተፈላለያ ኣብያተ እምነታት ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ፡ "ኣነ ከም ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ፕሮጀክት ክሳተፍ እንተ ኾይነ፡ እዞም ዝስዕቡ ነገራት ክሕለዉለይ ወይ ክማልኡለይ ኣለዎም ትብሎም ነገራት" ኣለዉ እንተ ኾይኖም ብንጹር ክጥቀሱ ነዘኻኽር!!

 

መተሓሳሰቢ፡ እቲ ቤተ ክርስትያን ትሰዶ መልሲ ከም ሃይማኖታዊት ትካል ናይ ባዕላ መልሲ እዩ። እቶም ንዓኣ ዝኽተልዋ ሰባት ይድግፍዎ ድዮም ይቃወምዎ ብዘየገድስ፡ ዘለዎም ርእይቶ ኣብቲ ንውልቀ ሰብ ዝተዳለወ ድሕረ ገጽ መጽዮም መልሲ ክህቡ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ዝድግፎን ዝቃወሞን ሰብ ብቑጽሪ ክተሓዝ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ።